إرتريا- التوق -: كلمة تهنئة بمناسبة الذكرى الخامسة والثلاثين
Written by Eritrea. Al-Touqጅቡታዊ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ናጀርያ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ኣብ መስርሕ ሰላም ቀርኒ ኣፈሪቃ ኣስተዋጸኦ ንከበርክት ከም ዝመዘዞ ናይቲ ሕብረት ክፍሊ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ምምዛዝ ኦባሳንጆ ከም ናይ ሰላም ባእታ ክሕብር እንከሎ፡ ኦባሳንጆ ዝተረሓሓቐ ተመኩሮታት ኣብ ምቅርራብ፡ ውሕልነትን ተኣማንነትን ከም ዘለዎ ኣብ ግምት ብምእታው ናብዚ ኣገዳሲ ዕማም ከም ዝመዘዞ ጠቒሱ።
በቲ ተመዚዝሉ ዘሎ ሓላፍነት መሰረት፡ ኦባሳንጆ፡ ኣብ ኩሎም ተዛመድቲ ዛዕባታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ተሳቲፉ፡ ኣብ ምህናጽ ቀጻሊ ምትእምማን፡ ዘተታትን ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ምርግጋጽ ቀጻሊ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃን ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ። ብመንጽር’ዚ ኦባሳንጆ ኣብ ጉዳያት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ውሽጣዊ ውግኣት ኢትዮጵያ፡ ቅልውላው ሶማሊያን ዘይምርግጋእ ደቡብ ሱዳንን ከም ዝሳተፍ ይእመን።
ኮሚሽነር መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ናይቲ ፕረሲደንት ናጀርያ ነበር ኦባሳንጆ ነቲ መዝነት ቅሩብ ኮይኑ ምቕባል ንኢዱ፡ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ምእንቲ ቀጻሊ ሰላምን ምርግጋእን ምትሕብባር ከምዘይፍለዮ ኣረጋጊጽሉ።
ኦባሳንጆ ኣብ መስርሕ እዚ ሎሚ ኣብ ሓደጋ ምፍራስ ወዲቑ ዘሎ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ንሕብረት ኣፍሪቃ ወኪሉ ኣብ ወርሒ ነሃሰ 2021 ተመዚዙ ነቲ ናይ ምቅርራብ ኣካል መሪሑ ዘፈራሪሙ ተኹሲ ክቋረጽ ዘኽኣለ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ናጽነት ሓጐሱ ካብ ዝገለጸሉ ምስልታት
24 ጉንበት ቅድሚ 35 ዓመታት መግዛእቲ ተሳዒሩ፡ ኤርትራ ደቃ ብሓባር ብዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእቲ መሬታዊ፡ ማያውን ኣየራውን ግዝኣታ ነጻ ዝወጸላ ታሪኻዊት ዕለት ስለ ዝኾነት፡ ሰዲህኤ ንኹሎም ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን ዮሃና ትብል።
መሰረታዊ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ መግዛእቲ ኣልጊስካ ጨቋንን ተጨቋንን ዘይብላ፡ ሰላምን ርግኣትን፡ ብልጽግናን ዝሰፈና፡ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እትመሓደር ሕገ-መንግስታዊት ሃገር ምውሓስ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝብና ነቲ ሓቢርካ ሃገር ንምህናጽ ተቐሪብሉ ዝነበረ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ከም ውሁብ ወሲድዎ ስለ ዝነበረ፡ ከም ዝዕወት ኣይተጠራጠረን። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ስልጣን ዝተወጥሐ ጉጅለ ዘይትግበር መብጸዓታት የስምዕን ይጽሕፍን ስለ ዝነበረ። ኣብ ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉቲ ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋን ዘጋጠመ ዕንወትን ህልቂትን፡ ምእንቲ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምውጋድ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን ቅሩብነት ንቃልስን፡ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዕቤት ከም እትበጽሕ ርግጸኛ ነይሩ።
እተንኾነ ብሰንክቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ጠላም ጉጅለ፡ ባህጊ ህዝብና ሎሚ’ውን ኣብ ትጽቢትን ቃልስን እዩ ዘሎ። እቲ ጥልመት ብዘኸተሎ በደል ዘማረሩ ገለ ወገናት፡ ኣብ ኣድላይነት ነጻነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራን ሰጋእ መጋእ ክብሉ ይረኣዩ እዮም። እንተኾነ እቲ ናይ ኩሉ፡ ከነዕውቶ ንቃለሰሉ ዘለና ባህግታት መሰረት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ እዩ እሞ፡ ወትሩ ህያው ኮይኑ ካብ ምዕቃቡ ካልእ ምርጫ ከም ዘየብልና ንገንዘብ። እቲ ንህዝብና ዝድህኾ ዘሎ ወጽዓ ከኣ፡ ምምሕዳር ህግደፍ ዝፈጠሮ እምበር፡ ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃን ዝሰዓበ ዘይምዃኑ ብምርዳእ ንክቱር ጭቆና ህግደፍ ተቓሊስና ንምውጋዱ ብሓባር ቃልስና ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ ከም ዘየብልና ኣብዚ ታሪኻውን ተሃዋስን ኣጋጣሚ ከነረጋግጽ ይግበኣና።
ቃልሲ ንምህናጽ ሃገረ-መንግስትን ምዕቃብ ሓድነትን፡ ካብቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ ዝተሓተ ዋጋ ዝሓትት ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ህዝብና ነይሩ። ካብቲ ነዚ ትጽቢት ዘሕደረሉ ምኽንያታት፡ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ሓይሊ ዘይምዃኑን ከም ውጽኢት ናይቲ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኩሎም ኤርትራውያን ማዕረ ተጠቀምቲ ክኾኑ እዮም ዝብል እምነት ከም ዝነበሮ ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ቃልሲ ምህናጽ ሃገር፡ ዓቕሚ እንተዘይጐዲሉና፡ ንመሰል ኤርትራውያን ኣዋሲኑ ስልጣኑ ቅድሚት ዝሰርዕ ስሱዕ ምምሕዳር ክህሉ እዩ ዝብል ግምት ናይ ውሑዳት እዩ ነይሩ። ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንኹሉ ብሒቱ “ኤርትራ ናተይ ጥራሕ እያ” ዝብል ጉጅለ ክህሉ ትጽቢት ኤርትራውያን ኣይነበረን። ምስዚ ግና፡ ሰማዒ ኣይረኸቡን እምበር፡ ካብ ቅድም እቲ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን ኩነታት ከየጋጥም ስግኣት ዝሓደሮም፡ ብዓንተቦ ንምግትኡ ዝጸውዑን ዝተቃለሱን ፖለቲካዊ ውድባት ነይሮም ኢዮም።
ድሕሪ ናጽነት ወርሒ ኣብዘይመልአ ግዜ፡ ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ሓቢኡ ዝጸንሐ፡ ደሓር ግና ብጋህዲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመን ሕማቕ ክፈዲ ዝተዓጥቀን ጉጅለ ኢሳያስ ካብ ትጽቢት ህዝብና ወጻኢ ተጋሂዱ። እነሆ ከኣ እቲ ብህዱእ ኩነታት ክካየድን ብውጽኢቱ ኩሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ዝጥቀምሉን ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃልሲ ምትካል ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት፡ “ንማይ ዝበልንዮስ ንበረድ ኮነ” ከም ዝበሃል፡ ኮይኑ። እቲ “እምበርከ፡ እቲ 2ይ ምዕራፍ ቃልሲ ከምቲ ናይ ናጽነት ኣብ 30 ዓመትከ ክውዳእ ድዩ ኣይፋሉን?” ዝተባህለ እነሆ 35 ዓመቱ መሊኡ። ዝተኸፍለ ዋጋ ክምዘን እንከሎ ‘ውን፡ ኣብ ኩሉቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተራእየ፡ ግና ከኣ ከምኡ ከጋጥም ዘይነበሮ ውግኣት፡ ካብቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ዝተኸፍለ ዋጋ ዝበዝሐን ዝመረረን ኮነ።
ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ተመኩሮና ዝተራእየ፡ ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ናይ ምርግጋጽ ጻዕሪ፡ ሎሚ እውን ዕማም ኩሎም ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውዳበታት ኮይኑ ዘሎ እዩ። ምምስራት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ካለኦት ተበግሶታትን ኣብ ሕድሕዶም ዝነበረ ምጽልላም፡ ምጥቕቓዕን ምንጽጻግን ዘህደአ ምዃኑ ዘይከሓድ’ዩ። ኣብዚ ቀረባ፡ ስግረ-ዶባዊ ዓመጽ ህግደፍ ንምግጣምን ምቅላዕን፡ ተጀሚሩ ዘሎ ሓባራዊ ንጥፈት’ውን ክቕጽልን ክድንፍዕን ይግበኦ። እንተኾነ ጉዕዞና ትሕቲ ትጽቢት ናይ ህዝብና ናይ ለውጥን ሓቢርካ ምቅላስን ድሌት ምህላዉና ተገንዚብና፡ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነት ክንፍጽም ከም ዝግበኣና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ደጋጊምካ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ወትሩ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ብምጽናዕ፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዝቃለስሉ መድረኽ ንምፍጣር ይግበር ኣብ ዘሎ ቃልሲ ከይሰልከየ፡ ኩሉ ካብኡ ዝድለ ከበርክት ቅሩብ ምህላዉ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ናጽነት ደጊሙ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ’ውን ንኹሉ ተበግሶታት፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተነጽፈ ኣውንታዊ ባይታ ንድሕሪት ብዘይመልስ ኣመሓዲሩ ክቕጽሎ ትጽቢት ይግበረሉ።
እቲ ካልእ ንመበል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና ጐሲናዮ ዘይንሓልፍ፡ ሎሚ ብፍላይ ኣብ ጐረባብትናን ዞባናን፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ዓለምና ዝረአ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን ቅልጡፍ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ለውጥታትን እዩ። ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ተደጋጊሙ ዝለዓል ዘሎ፡ ታሪኻዊ ኮነ ሕጋዊ መሰረት ዘየብሉ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተን፡ ህርፋን ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ዝደረኾ ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘስግእ ምትፍናን፡ ብኣተኩሮ እንከታተሎ ኣብ ዘለናሉ ኢና መበል 35 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ንዝክር ዘለና።
ኩለ-መዳያዊ ዝምድና ክልል ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ደረጃ ይርከባ’ሎ። ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር 3 ዓመታት’ኳ እንተሓለፎ፡ ናይ ሰላም መስርዕ ኣይሓዘን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ተወሳኺ ምትፍናን የርኢ’ሎ። እዚ ምስቲ ህግደፍ ኣብ ዝተኣጐደ ህውከት ኢዱ ካብ ምእታው ዓዲ ዘይውዕል ምዃኑ፡ ኣብ ህዝብና ዘሕድሮ ዘሎ ሰግኣት ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ስግኣታት ተደሚሩ ዝፈጠሮ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላውን ልምዓታዊ ብኩራት’ውን ዘሰክፍ’ዩ።
እዚ ዘይርጉእ ዘቤታውን ከባብያውን ምዕባለታት፡ ምስቲ ህግደፍ መልክዓቱ እንዳቐያየረ ክመጾ ዝጸንሐ፡ ሎሚ’ውን ጌና ዘይትላዊ ርክባትን ዝምድናታትን ክፈጥር ሃንደፍደፍ ይብል’ሎ። ድሮ ዝውሰድ ዘሎ ግፋ፡ ነጋሪቲ ውግእ ምድሳቕን ምእጋድ ምንቅስቓስን እኹል ምልክት ሰግኣት’ዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ታሪኻዊ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኣንጻር’ቲ ናይ ኩሉ መከራኻ ጠንቂ ዝኾነ ዓመጸኛ ጉጅለ ድምጽኻ ናይ ምስማዕን ቃልስኻ ናይ ምሕዳስን ሓላፍነት ከም ዘለካ ከነዘኻኽረካ እዋናዊ እዩ።
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!
ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ዲሞክርስን ልምዓትንንቃለስ
ግጥሚ ንኽብሪ መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ
ካበ 1557 ዘጀመረ ግዝኣት ቱርኪ
1890 ዝቐጸለ ግዝኣት ጣልያን ፋሺስቲ
1941-52 እንግሊዛዊ መግዛእቲ
1952-62 ኤርትራዊ ፈደራላዊ መንግስቲ
1962-1991 ብጎበጣ ዝኣተወ ኢትዮጵያዊ ኣጽናቲ
ተሳዒሩ ተሓምሸሸ ዳኣ ህዝብና ብዝኸፈሎ መሰዋእቲ
1993 ሀዝብና ኣድመጸ ንናጽነት ኣብ ህላወ ኣህጉራዊ ተዓዘብቲ።
ብዘይ ዕረፍቲ ንመግዛእቲ ዝተቓወመ ህዝቢ ኤርትራ
ብመሪሕ ውድባቱ፣ ሰልፍታቱን ማሕበራቱን ብሓበራ
ንምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ - ሓራካ ክንዝክራ
ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ጀማሪ ናይ ሰውራ
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዘርጊሓ መሓውራ
ብ1991 ሓራ ወጸ መሬታ ምስ ባሕራ
ብ1993 ህዝብና "እወ ንናጽነት" ኣድሚጹ ልዑላዊት ገበራ።
ባሕሪ ኤርትራን ዓሰብን
ናይ ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣይፈልጥን
ብታሪኽ ዓለም ፍሉጥን ስኑድን
ሓሶት እንተተደጋገመ ናብ ሓቂ ኣይልወጥን
ልዑላውነትና ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ኣይነእቱን
ተጠቃምነት ግን ብኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን
ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ከገልግል ኣየማትእን።
ፍሉጥዩ ነይሩ ባህግን ትጽቢትን ህዝብና
ክነብር ብሰላም፣ ራህዋ ምዕብልና
ብተደጒሉ ዝኣተወ ጒጅለ ምልኪ ተኾሊፍና
ህዝቢ ቀይዱ ከይሰርሕ ከይሃንጽ ዓንያ ሃገርና
ነልግሶ ብሓድነት ከይተሓለልና ተቓሊስና።
ውልቀ-መላኺ ብዝልእኮም መሓውሩ
ንቅዋማዊ ስርዓት ዝጠልቡ ዝምድሩ
ንህዝብን ሃገርን ዝሓልዩ ተቓወምቱ ኣሲሩ
ንብዙሓት’ውን ንስደት ደፊኡ ኣባሪሩ
ሃገራዊ ቊጠባ ገቢቱ፣ ህዝቢ ጾሙ ሓዲሩ።
መንግስቲ ዝቐውም ብተሳትፎ ብዝሐ-ሰልፍታት
ንሓቅታት ዝምህሩ ዝሕብሩ ብዝሐ-ጋዜጣታት
ብሕግታት ዝካየድ ደሞክራስያዊ ምርጫታት
ሃገራዊ ባጀት ኣዊጁ ዘበርክት ህዝባዊ ኣገልግሎታት
ብቅዋማዊ ስርዓት ሃገራውን ህዝባውን ትካላት
ሃየ ንቃለስ ብሓባር ከነዐውት ነዘን ውሑዳት መደባት
ክንወጽእ ካብዚ ድሑር ኢሳያሳዊ ጸልማት።
ጭርሖኦም ዓወት ንሓፋሽ
ብግብሪ ግን ጸረ-ሓፋሽ
ታሪኽ ኣርእዩና ምልኪ ዓንዩ ክብል ፈርከሽከሽ
ጅሆ ዝተታሕዘ ህዝቢ ብሓርነት ክሕጎስ
ሽዑ እያ ሃገርና ትሕደስ ትግስግስ
ሓፋሽ ብዓወቱ ዝድበስ።
ልዑላዊት ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር!
ዓወት ንህዝቢ !!
ጋዜጣዊ መግለጺ እዋና ብምኽንያት 2026 ማዓልቲ ነጻነት ኤርትራ
Written by ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤሪትራውያን ኣብ ሰሜን ኣመሪካእቶም ኣብ ምምሕዳር ሰሜን ሱዳን ኣብሪ ኣብ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ መንገዲ ክዓጽዉ ዝተሰለፉ።
ኣብ ምምሕዳር ሰሜን ሱዳን ኣብሪ ኣብ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ፡ ሱዳናውያን ነበርቲ ብሰንኪ ተኸታታሊ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትርን ዋሕዲ ቀረብ መሰረታዊ ነገራትን ሓያል ተቓውሞ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ። እቶም ተቓወምቲ ደንጎላን ሓልፋን ዝተባህሉ ሱዳንን ግብጽን ዘራኽቡ ናይ ንግዲ መስመራት ከም ዝዓጸዉ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።
ሓደ ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝተሳተፈ ናይቲ ከባቢ ነባሪ ንሱዳን ትሪቡን ከም ዝሓበሮ፡ ኣብቲ ንሱዳንን ግብጽን ብመሬታ ዝራኽብ ንግዳዊ መስመር ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ብዙሓት መንእሰያት ከም ዝተሳተፉ ጠቒሱ። እዚ ብ17 ጉንበት 2026 ዝተራእየ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ማዝያ ኣጋጢሙ ዝነበረ ተመሳሳሊ ተበግሶ ምዃኑን ዕላምኡ ከኣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ምምሕዳር ሓይሊ ኤለክትሪክ ንከየቋርጹ ተጽዕኖ ንምሕዳር ምዃኑን ድማ እቲ ዜና ሓቢሩ።
እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሰላማዊ ዝነበረ ኮይኑ፡ ናይ ህዝቢ መጐዓዝያ ኣውተቡሳትን ናይ ግሊ ተሽከርከርትን ካብን ናብን ሱዳንን ግብጽን ክንቀሳቐሳ ክፈቅድ እንከሎ፡ ዓበይቲ ናይ መንግስቲ ንግዳዊ ንብረት ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን ግና ምኽልካሉ ተሓቢሩ። እቶም ተሳተፍቲ ሓለፍቲ ነቲ መስመር ብሓይሊ ንምኽፋት ከይፍትኑ ኣጠንቂቖም፡ እቲ ብቐጻሊ ከጋጥም ዝጸንሐ ዘይርትዓዊ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከይቅጽል ከኣ ኣተሓሳሲቦም።
እቲ ዜና ሱዳን ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ግዜ ሓጋይ ምቖቱ ክሳብ 44 ዲግሪ ሴንትግሬድ ዝበጽሕ ማእከላይን ምብራቓውን ከባብታት ተደጋጋሚ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ የጋጥማ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ግብጺ ኣብ ዝተወሰኑ ሰሜናዊ ሱዳን ሓይሊ ኤለክትሪ ተቕርብ ክትከውን እንከላ፡ እዚ ከባቢ ካብቲ ካልእ ክፋላት ሱዳን ዝሓሸ ዕድል ከም ዘለዎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝትግበረሉ መስርሕ ንክኽተሉ ኣጥቢቖም መጸዋዕታ ኣቕሪቦም። ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝን ነዚ ዝገለጹ፡ ብ15 ጉንበት 2026 ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ እዮም።
እቶም መራሕቲ ነዚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝፍጠር ዘሎ ወጥሪ ከም ዘሻቕሎም ዝገለጽሉ መግለጺ ዘውጽኡ ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ 10ይ ዓመታዊ ርክብ ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ክዛዝሙ እንከለዉ እዮም።
እቶም መራሕቲ ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺኦም፡ ኣብ ግብሪ ምውዓል ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ርግኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እውን ግደ ከም ዝህልዎ ጠቒሶም፡ ናይቲ ስምምዕ ፈረምቲ ኣካላት ዝኾነ ጸገም ከጋጥም ኣንከሎ፡ ንምፍታሑ ህዱእን ሓላፍነታውን ኣገባብ ክጥቀሙ ጸዊዖም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ዞባዊ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካብኣቶም ትጽቢት ዝግበረሉ ኩሉ ከተግብሩ ቅሩባት ምህላዉ ኣመልኪቶም።
እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ከም ዘመልከቶ፡ እቲ ብ2022 ዝተኸተመን ተኹሲ ጠጠው ምባል ዘኽኣለ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብዚ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ግና እናተዳኸመ መጺኡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝለዓለ ወጥሪ ከም ዝወደቐ ጠቒሱ። ኣብዚ እዋንዚ ክልል ትግራይ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ክምለሱ ብዘይምግባሩ ክኸሶ እንከሎ፡ ፈደራል መንገስቲ ብወገኑ ንመራሕቲ ክልል ትግራይ ምስ ናይ ኤርትራን ሱዳንን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዘይሕጋዊ ዝምድና ብምፍጣር ኢትዮጵያ ይዘርጉ ኣለዉ ኢሉ ከም ዝኸሶም እቲ መግለጺ ኣስፊሩ።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ፕረሲደንት ኮይኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክመርሕ ዝተመዘ ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ መዝነቱ ምውራዱን ብመሰረት ናይ ቅድሚ ውግእ ዝተኻየደ ክልላዊ ምርጫ ናብ መዝነት ዝመጸ ዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ነቲ ኣብ ትግራይ ዝጸንሐ ቅልውላው ዝያዳ ከም ዘዕረጎን ድማ እቲ መግለጺ ኣስሚርሉ።
እቲ መግለጺ ብዛዕባ ኣብ ስተፈላለዩ ኩርነዓት ኣፍሪቃ ዘለዉ ጸጋማት እውን መፍትሒ ይኸውን ብዛዕባ ዝበሎም ዳህሳሳዊ ጉዳያት ኣቕሪቡ።
ባህግና Eri-Bahgna Media15 05 2026 ዜና፡ ብዛዕባና እስከ ንዛረብ፥ ናይ ሓባር ዓቕምና ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና፥ ጋዜጣዊ መግለጺ
Written by Eri-Bahgna MediaMedia
More...
ሓድነት ህዝቢ ካብ ዝረጋገጸሎም ኣዕኑድ ሓደ ልኡላውነት ሃገር ናይ ሓባር ምዃኑ እዩ። ልኡላውነት ሓድነቱ ብዘውሓሰ ህዝቢ እዩ ዝረጋገጽን ዝዕቀብን። ሓድነት ህዝቢ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ልኡላውነት ሃገር’ውን ኣብ ስግኣት ከም ዝወድቕ ውሁብ እዩ።
እዚ ከም ኤርትራውያ ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ተፈቲና ዝሰዓርናሉ ሓቀኛ ትመኩሮ እዩ። እዚ መሰረታዊ ሓቂዚ በቲ ዋና ልኡላውነቱን ሓድነቱን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቶም ሓድነቱ ብምክፍፋል ኣዳኺሞም ልኡላውነት ሃገሩ ከይረጋገጽ ዝሃለኹ ጸላእቱ እውን ነዚ ተረዲኦም ከም ኣፍራሲ መሳርሒ ክጥቀምሉ ፈቲኖም ከምዘይተዓወቱ ዘርኢ ሃብታም ተመኩሮ ኣለና። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ጸላኢ ሓደገኛ ሸርሒ ከም ታሪኽ ዝንገር ጥራ ዘይኮነ፡ ሎሞ’ውን መልክዑ ቀይሩ ህያው ዘሎ ዛዕባ እዩ።
ብዛዕባ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ኩነታት ኤርትራ ክንሓስብ እንከለና፡ ወርትግ ሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ከንጠቕሶም ካብ እንግደድ መሰረታዊ ኣምራት ዝኾኑ’ ምእንቲ ምርግጋጾም ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ዝተሓላለኸ፡ ከቢድ ዋጋ ዘኽፈለን ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ኣካል ታሪኽና ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ዛዕባ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ዋኒንና ክንርኢ እንከላን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓፈሻ ምስ መላእ ዓለም ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ጐረባብትና ሃገራት እንገብሮ ዝምድናታት፡ ሰላምን ምርግጋእን ዘውሕስን ቁጠባና ዘሰስን ምዃኑን ዘይምዃኑን ምግንዛብ መሰረታዊ እዩ። ናይ ህልውና ጉዳይ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ እቲ ዝምድና “ንሓድነት ህዝብናን ልኡላውነት ሃገርናን ዘለዎ ብጽሒትከ ክሳብ ከንደይ እዩ?” ኢልና ክንሓትትን ክንምልስን ይግበኣና። ብፍላይ ምስ ጐረባብትና ዝምድና ክንምስርት እንከለና ጥቁቕ ኣቓልቦ ክንህቦ ዘለና እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ“ዝምድና ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ። ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ሕድሕድ ጣልቃ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቁጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።” ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ዘስፈረ ድማ ካብዚ ኣገዳነትዚ ብምንቃል እዩ። እዚ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል፡ ንዝምድና ምስ ጐረባብትና ዝዓሞቐ ተገዳስነት ክንህቦ ባህርያዊ ብምዃኑ እዩ።
ዝምድና ንሓድነት ህዝብና ዝያዳ ዝድርዕን ምትእማን ዘስርጽን ንክኸውን፡ ናይ መላእ ህዝቢ ኣፍልጦን ተሳትፎን ክህልዎ መሰረታዊ እዩ። ኣብ ሓደ ክፋል ሃገር ዝነብር ህዝብና ዝፈጥሮ ዶብ ሰገር “ዝምድና ምስ ህዝቢ ጐረቤት ሃገር” ኣብቲ ካልእ ኩርናዕ ብዝርከብ ወገኑ’ውን “ናተይ ዝምድና’ውን እዩ” ንክብሎ ዘኽእሎ ኣፍልጦን ግሉጽ ሓበሬታን ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሓደ ውሱን ኩርናዕ ዝርከብ ህዝቢ ብዘለዎ ባህላውን ንግዳውን፡ ምቅርራብን ካልእ ተመሳሳልነትን ተጸልዩ ዝፈጥሮ ዝምድና፡ ብድብዱ ከም ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ጌርካ ምውሳዱ፡ ኣብ ሓድነትን ምትእማንን ኣሉታዊ ጽልዋን ምርሓሓቕን ከየሕድር ምጥንቃቕ የድሊ። ህዝቢ ሰንዓፈን ዛላንበኣስ፡ ህዝቢ እንዳ ገርግስን ራማን፡ ህዝቢ ባድመን ሸራሮን ከምኡ’ውን ብኸባቢ ዓፋር። ዝፈጥርዎ “ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ”፡ ምስቲ ኣብ ካልእ ዶባትን ማእከልን ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ ዘለዎም ሓድነት፡ ብግቡእ ከም ዝናበብን ከም ዝመላላእን ምግባሩ ዘይስገር እዩ።
እቲ ዝፍጠር ዝምድናታት ድዩ ጽምዶ፡ “መን ኣንቂድዎ፡ ማእከሉኸ ናይ መን ረብሓዩ፡ ትካላዊ ኣተሓሕዛኡ ከመይ ይመስል፡ ብኣኡ ኣቢልካ ክብጻሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሸቶኸ እንታይ እዩ?” ዝብሉ ዛዕባታት ግቡእ ቆላሕታ ሂብካ ምምዛኖምን ምግንዛበምን ድማ መሰረታዊ እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ ዝምድናታት ኤርትራ ምስ ጐረባብቲ ክንድህስስ እንከለና፡ ኣቲ ተበግሶ ዝወስድ በቲ ባህጊ ህዝቢ ማእከል ጌርካ ናይ ምውሳን ባህሪ ዘየብሉ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ኮይኑ ምጽንሑን ምህላዉን እንርደኦ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚት ዝሰርዖ ናቱ ጉጅላዊ ኣብ ስልጣን ምቕጻል እምበር፡ ህዝቢ ዝፈልጦ ትካላዊ መስርሕ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን የብሉን። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኢዩ ከኣ፡ ዝምድናታቱ ምስ ዝተፈላለዩ ጐረባብቲ ኣብ ውግእ ዝዓለም “ስርሕ ብትን” ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን። ኣብ መንጎ ህግደፍን ህወሓትን ዝጸንሐ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ዝምድና ኣብ ቀጻሊ “ምፍታውን ምበኣስ” ዝተሰረተ ምዃኑ ርኡይ እዩ። በቲ ካልእ መልክዑ ክረአ እንከሎ ድማ፡ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባታት ረብሓ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእቱ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝምድና ምስ ጐረባብቲ በጺሑ ሓልዮትን ሓላፍነትን ክሓድሮ እትጽበዮ ዘይምዃኑ’ዩ።
ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብኡ ኣቢልካ ድማ ምስ ህዝቢ ክልል ትግራይ፡ ልኡላዊ ዶብካ ዓቂብካ፡ ሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ዝማእከሉ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክግበር ዝከኣለሉ ዝነበረ ግዜ፡ ፈተነ ምሕዳስ ዝምድና 2018 ነይሩ። እንተኾነ ቃልን ግብርን ኣየሳነየን። ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ፡ ነቲ ከሰሓሕብን ከጻልእ ዝጸንሐ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መወዳእታ መልክዑ ኣትሒዝካ ናብ ካልእ ዝማዕበለ ዝምድና ዘስግር ክኸውን መተገብኦ። እንተኾነ እቲ ኣጀንዳ ንህግደፍ ዘገድሶ ኣይነበረን።
ህግደፍ ግና ነቲ ዕድመ ከምዘይህልዎ ዝግመት ዝነበረን ከምቲ ዝተገመቶ ኮይኑ ዘሎን ዝምድናኡ ምስ ሰልፊ ብልጽግና፡ “ወያነ ጸወታ ተወዲኡ (weyane game over)” ብዝብል ጽልኢ ዝጽሕትር ጭረሖ ጀሚሩ “ብተኾሊፍና” እዩ ዛዚምዎ። እቲ መሪሕ ሓሳብ እቲ ዘይቅዱስ ጭረሖ እንተዘይነብር፡ ክንደይ ህይወት ካብ ህልቂት ክንደይ ንብረት ከኣ ካብ ብርሰት መደሓነ፡ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኢና ከኣ ሎሚ’ውን ነቲ “ብዘይገሉጽነትን ትካላዊ መስርዑ ዘይፍለጥን” ፈንጠርጠር ህግደፍ፡ “እቲ ዝምድና ማእከሉ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ልኡላውነት ሃገሩን ምዃኑ ዝሃቦ መረጋገጺ ስለ ዘይሃበ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ትመኩረኡ ተማሂሩ፡ ሕሳቡ ክገብር ንእምት ዘለና።
ከምዚ ምባል ንሰዲህኤ ሓድሽ ዘይኮነ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ናይ 21 ሰነ 2025 ኣኼባኡ ንዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ኣመልኪቱ፡ “እዚ ዝምድናኡ ኣድማዒ ንክኸውን ብተሳትፎኡን ኣፍልጦኡን ዝተደኮነ፡ ትካላዊ መልክዕ ዝሓዘን ብጸቢብ ድሌት ውሱናት ጉጅለታት ዘይጭወን ንክኸውን ክልቲኡ ህዝብታት ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ዝቆጻጸሮ ንክኸውን ክቃለስ ከም ዝግበኦ ነዘኻኽር።” ዝበሎ ኣይዝንጋዕን።
إرتريا- التوق -: رسالة التوق- تِركة الاستبداد، وأمل التعافي 15.05.2026
Written by Eritrea. Al-Touqኣስታት 31 ዘይመንግስታዊ ማሕበራት፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝከታተል ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ሱዳናዊ ዶር መሓመድ ዓብደልሰላም ባበከር መዝነቱ ክናወሓሉ፡ ብ12 ጉንበት 2026 ብዝጸሓፈኦ ደብዳበ ከም ዝጸወዓ ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ መጸዋዕታ ናብ ቀወምቲ ኣባላትን ተዓዘብትን ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ኣብቲ ካብ 15 ሰነ ክሳብ 10 ሓምለ 2026 ዝካየድ መበል 62 ዓመታዊ ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ፍሉይ ጠመተ ንክወሃቦ ብዝብል ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቲ መጸዋዕታ ናይተን ዘይመንግስታዊ ትካላት እቲ ፍሉይ ልኡኽ ንቕጽል ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ መበል 62 ጉባአ ንሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ተሪር ውሳነ ንክውሰን ዘተሓሳሰበ ምዃኑ እውን እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ።
እተን ናይ ሓባር መጸዋዕታ ዘቕረባ ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ኣቐዲመን ከተሓሳስባ ዝተገደዳ እቶም ነቲ ምንዋሕ ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ ዝድግፉ ወገናት ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ዘካይድሉ እኹል ግዜ ንክረኽቡ ብዝብል ምዃኑ ጠቒሰን። እዚ መበል 62 ዓመታዊ ኣኼባ፡ ድሕሪ 25 ዓመት ማእሰርቲ ጉጅለ 15ን 10ይ ዓመት ንኤርትራ ዝምልከት ሰብኣዊ ጸብጻባት ምቕራብ ዝጀመረሉን ስለ ዝኾነ ፍሉይ ተገዳስነት ከም ዘድልዮ እውን ጠቒሰን።
ኣብ ርእሲዚ እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ናይ ለውጢ ተቓለስቲ ዝካየድ ዘሎ “ስግረዶባዊ ጸቕጢ” እውን ኣብቲ መጻኢ ዓመታዊ ጉባአ ሰብኣዊ መሰል ክዝረበሉ በተን ማሕበራት መጸዋዕታ ምቕራቡ ተሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝቐረበ መጸዋዕታ ኣብ ኤርትራ ይፍጸሙ ካብ ዘለዉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ነቶም ቀንዲቀንዲ ኣብቲ መጸዋዕታ ኣስፊሩ’ሎ።