ሓድነት ህዝብን፡ ልኡላውነት ሃገርን ዘውሕስ ርክብ

2026-05-17 09:34:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 62 times

ሓድነት ህዝቢ ካብ ዝረጋገጸሎም ኣዕኑድ ሓደ ልኡላውነት ሃገር ናይ ሓባር ምዃኑ እዩ። ልኡላውነት  ሓድነቱ ብዘውሓሰ ህዝቢ እዩ ዝረጋገጽን ዝዕቀብን። ሓድነት ህዝቢ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ  ልኡላውነት ሃገር’ውን ኣብ ስግኣት ከም ዝወድቕ  ውሁብ እዩ።

እዚ ከም ኤርትራውያ ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ተፈቲና ዝሰዓርናሉ ሓቀኛ ትመኩሮ እዩ። እዚ መሰረታዊ ሓቂዚ በቲ ዋና ልኡላውነቱን ሓድነቱን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ጥራይ ዘይኮነ፡  በቶም ሓድነቱ ብምክፍፋል ኣዳኺሞም ልኡላውነት ሃገሩ ከይረጋገጽ ዝሃለኹ ጸላእቱ እውን ነዚ  ተረዲኦም ከም ኣፍራሲ መሳርሒ  ክጥቀምሉ ፈቲኖም ከምዘይተዓወቱ ዘርኢ ሃብታም ተመኩሮ ኣለና። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ጸላኢ  ሓደገኛ  ሸርሒ ከም ታሪኽ ዝንገር ጥራ ዘይኮነ፡  ሎሞ’ውን መልክዑ ቀይሩ ህያው ዘሎ  ዛዕባ እዩ።

ብዛዕባ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ኩነታት ኤርትራ ክንሓስብ እንከለና፡ ወርትግ ሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ከንጠቕሶም ካብ እንግደድ መሰረታዊ ኣምራት ዝኾኑ’ ምእንቲ ምርግጋጾም ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ዝተሓላለኸ፡ ከቢድ  ዋጋ ዘኽፈለን ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ኣካል  ታሪኽና ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ዛዕባ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ዋኒንና ክንርኢ እንከላን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓፈሻ ምስ መላእ ዓለም ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ጐረባብትና ሃገራት እንገብሮ ዝምድናታት፡ ሰላምን ምርግጋእን ዘውሕስን ቁጠባና ዘሰስን ምዃኑን ዘይምዃኑን ምግንዛብ መሰረታዊ እዩ። ናይ ህልውና ጉዳይ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ እቲ ዝምድና “ንሓድነት ህዝብናን ልኡላውነት ሃገርናን ዘለዎ ብጽሒትከ ክሳብ ከንደይ እዩ?” ኢልና ክንሓትትን ክንምልስን ይግበኣና። ብፍላይ ምስ ጐረባብትና ዝምድና ክንምስርት እንከለና  ጥቁቕ ኣቓልቦ ክንህቦ ዘለና እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡዝምድና ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ። ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ሕድሕድ ጣልቃ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቁጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።”  ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ዘስፈረ ድማ ካብዚ ኣገዳነትዚ ብምንቃል እዩ። እዚ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ”  ዝበሃል፡ ንዝምድና ምስ  ጐረባብትና ዝዓሞቐ ተገዳስነት ክንህቦ ባህርያዊ ብምዃኑ እዩ።

ዝምድና ንሓድነት ህዝብና ዝያዳ ዝድርዕን ምትእማን ዘስርጽን ንክኸውን፡ ናይ መላእ ህዝቢ ኣፍልጦን ተሳትፎን ክህልዎ መሰረታዊ እዩ። ኣብ ሓደ ክፋል ሃገር ዝነብር ህዝብና ዝፈጥሮ ዶብ ሰገር  “ዝምድና ምስ ህዝቢ ጐረቤት ሃገር” ኣብቲ ካልእ ኩርናዕ ብዝርከብ ወገኑ’ውን “ናተይ ዝምድና’ውን እዩ” ንክብሎ ዘኽእሎ ኣፍልጦን ግሉጽ ሓበሬታን ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሓደ ውሱን ኩርናዕ ዝርከብ ህዝቢ ብዘለዎ ባህላውን ንግዳውን፡ ምቅርራብን ካልእ ተመሳሳልነትን ተጸልዩ ዝፈጥሮ ዝምድና፡ ብድብዱ ከም ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ጌርካ ምውሳዱ፡ ኣብ ሓድነትን ምትእማንን ኣሉታዊ ጽልዋን ምርሓሓቕን ከየሕድር ምጥንቃቕ የድሊ። ህዝቢ ሰንዓፈን ዛላንበኣስ፡ ህዝቢ እንዳ ገርግስን ራማን፡ ህዝቢ ባድመን ሸራሮን ከምኡ’ውን ብኸባቢ ዓፋር። ዝፈጥርዎ “ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ”፡ ምስቲ ኣብ ካልእ ዶባትን ማእከልን ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ  ዘለዎም ሓድነት፡ ብግቡእ ከም ዝናበብን ከም ዝመላላእን ምግባሩ ዘይስገር እዩ።

እቲ ዝፍጠር ዝምድናታት ድዩ ጽምዶ፡ “መን ኣንቂድዎ፡ ማእከሉኸ ናይ መን ረብሓዩ፡ ትካላዊ ኣተሓሕዛኡ ከመይ ይመስል፡ ብኣኡ ኣቢልካ ክብጻሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሸቶኸ እንታይ እዩ?” ዝብሉ ዛዕባታት ግቡእ ቆላሕታ ሂብካ  ምምዛኖምን ምግንዛበምን ድማ መሰረታዊ እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ ዝምድናታት ኤርትራ ምስ ጐረባብቲ ክንድህስስ እንከለና፡ ኣቲ ተበግሶ ዝወስድ በቲ ባህጊ  ህዝቢ ማእከል ጌርካ ናይ ምውሳን ባህሪ ዘየብሉ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ኮይኑ ምጽንሑን ምህላዉን እንርደኦ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚት ዝሰርዖ ናቱ ጉጅላዊ ኣብ ስልጣን ምቕጻል እምበር፡ ህዝቢ ዝፈልጦ ትካላዊ መስርሕ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን የብሉን። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኢዩ ከኣ፡ ዝምድናታቱ ምስ ዝተፈላለዩ ጐረባብቲ ኣብ ውግእ ዝዓለም  “ስርሕ ብትን”  ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን። ኣብ መንጎ ህግደፍን ህወሓትን ዝጸንሐ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ዝምድና ኣብ ቀጻሊ “ምፍታውን ምበኣስ” ዝተሰረተ ምዃኑ ርኡይ እዩ።  በቲ ካልእ መልክዑ ክረአ እንከሎ ድማ፡ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባታት ረብሓ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእቱ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝምድና ምስ ጐረባብቲ በጺሑ ሓልዮትን ሓላፍነትን ክሓድሮ  እትጽበዮ ዘይምዃኑ’ዩ።

ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብኡ ኣቢልካ ድማ ምስ ህዝቢ ክልል ትግራይ፡ ልኡላዊ ዶብካ ዓቂብካ፡ ሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ዝማእከሉ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክግበር ዝከኣለሉ ዝነበረ ግዜ፡  ፈተነ ምሕዳስ ዝምድና 2018 ነይሩ። እንተኾነ ቃልን ግብርን ኣየሳነየን። ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ፡ ነቲ ከሰሓሕብን ከጻልእ ዝጸንሐ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መወዳእታ መልክዑ ኣትሒዝካ ናብ ካልእ ዝማዕበለ ዝምድና ዘስግር ክኸውን መተገብኦ።  እንተኾነ እቲ ኣጀንዳ ንህግደፍ ዘገድሶ ኣይነበረን።

ህግደፍ ግና ነቲ ዕድመ ከምዘይህልዎ ዝግመት ዝነበረን ከምቲ ዝተገመቶ ኮይኑ ዘሎን ዝምድናኡ ምስ ሰልፊ ብልጽግና፡ “ወያነ ጸወታ ተወዲኡ (weyane game over)” ብዝብል ጽልኢ ዝጽሕትር ጭረሖ ጀሚሩ “ብተኾሊፍና” እዩ ዛዚምዎ። እቲ መሪሕ ሓሳብ እቲ ዘይቅዱስ ጭረሖ እንተዘይነብር፡  ክንደይ ህይወት ካብ ህልቂት ክንደይ ንብረት ከኣ ካብ ብርሰት መደሓነ፡ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኢና ከኣ ሎሚ’ውን ነቲ “ብዘይገሉጽነትን ትካላዊ መስርዑ ዘይፍለጥን” ፈንጠርጠር ህግደፍ፡  “እቲ ዝምድና ማእከሉ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን  ልኡላውነት ሃገሩን ምዃኑ ዝሃቦ መረጋገጺ ስለ ዘይሃበ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ትመኩረኡ ተማሂሩ፡ ሕሳቡ ክገብር ንእምት ዘለና።  

ከምዚ ምባል ንሰዲህኤ ሓድሽ ዘይኮነ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ናይ 21 ሰነ 2025 ኣኼባኡ ንዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ኣመልኪቱ፡ እዚ ዝምድናኡ ኣድማዒ ንክኸውን ብተሳትፎኡን ኣፍልጦኡን ዝተደኮነ፡ ትካላዊ መልክዕ ዝሓዘን ብጸቢብ ድሌት ውሱናት ጉጅለታት ዘይጭወን ንክኸውን ክልቲኡ ህዝብታት ካብ ናይ  ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ዝቆጻጸሮ  ንክኸውን ክቃለስ ከም ዝግበኦ ነዘኻኽር።” ዝበሎ ኣይዝንጋዕን።

Last modified on Sunday, 17 May 2026 11:40