እስከ ብዛዕባናኸ ንዛረብ!
2026-05-11 09:45:17 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 57 timesኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካ ኤርትራ ክንዛረብ እንከለና፡ ክንጠቕሶም ካብ እንግደድ ሓደ፡ ኣብ ርሑቕ ኮነ ቀራባና ዘሎ ኤርትራ ኣካሉ ዝኾነት ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ እዩ። ከምኡ ዝኾነሉ መሰረታዊ ምኽንያት ከኣ ምስዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ምግልባጥ ዓለምና ናይ ሓንቲ ሃገር ዛዕባ በይኑ ፈሊኻ ምርኣይ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ብምህላውና እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራትኳ ነናተን ውግንና ስለዘለወን ብሓፈሻ፡ “እገለ ምስ እገለ ተሰሊፋ፡ እታ ሓንቲ ድማ ምስታኻልእ” እናበልካ፡ ብፍላይ ከኣ ጉጅለ ስዑያን ጉጅለ ኢማራትን ምባል ዝውቱር ኮይኑ’ሎ። ውግእ ኣመርካን እስራኤል ኣንጻር ኢራን እንታይ ሒዙ ከም ዘምጽእ ከኣ ኣብ መስርሕ ዝረአ እዩ።
እተን ኣብ ዝርዝር ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ኣስማተን ዝጥቀስ ሃገራት፡ በብዓቕመን ነናተን ረብሓ ዘለወን እምበር፡ ምእንቲ ረብሓ ናይተን ምስኣተን ዝስለፋ ኢለን ዝስለፋ ኣይኮናን። እቲ ረብሓታት ገሊኡ ቁጠባዊ ዓቕሚ ምድላብ፡ ገሊኡ ፖለቲካዊ ልዕልና ምርግጋጽ ከምኡ እውን ጸጥታዊ ድሕንነት ምውሓስ ክኸውን ይኽእል። ጉዳይ ኤርትራ እውን፡ ከመይ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ባህሪ ዘለዎ ጉጅለ ይመርሓሎን መን ንረሓኣ ይግደስ ካልእ ኮይኑ፡ ካብዚ ወጻኢ ዝምዘን ኣይኮነን።
ኣብዚ ዝተሓላለኸን ረብሓ ዝዓብለሎን ኣሰላልፋ፡ እተን ሓያላትን ሃብታማትን ናይተን ድኹማትን ጽጉማትን ኩነታት መዝሚዝካ፡ ንረብሓኻ ምውዓል ካብቲ ክኽተለኦ ንዕዘቦ ዘለና ተረኽቦታት ሓደ እዩ። ካብቲ ጐሊሁ ዝረአ ዘሎ ሕሳባት ከኣ፡ ነተን ድኹማት ክሳብ ኣፍንጨአን ኣዕጢቕካን ኣስኒቕካን እቲ ዓውዲ ውግእ ኮነ እቲ ዝዋጋእ ሓይሊ ሰብ ካብኣተን ከም ዝኸውን ምግባር እዩ። እዚ ሕልኽልኻትን ተንኮላትን ካብ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ሓደ ከኣ፡ ጉዳይካ እተውሕሰሉ ህዝቢ ዝማእከሉ ዓቕሚ እንተዘየጥሪኻ፡ ብፍላይ ኣብዚ ዝምዕብል ዘሎ ዓለማዊ ክውንነት ግዳይ ካለኦት ናይ ምዃን ዕድል ክፉት ምዃኑ ርኡይ’ዩ።
ኤርትራዊ ኣቀማምጣና ኣብቲ ኣዝዩ ተሃዋሲ ዞባ ስለ ዝርከብ፡ ንምድጋፍ ኮነ ንምጽራር ዝስለፉ ዘለዉ ሓይልታት ብዙሓት እዮም። እዚ ንዕዘቦ ዘለና ዕግርግር ደረጅኡን መስርሑን ሓልዩ ናብቲ ዝበጽሖ ደረጃ ዝምዕብል እምበር፡ ናይ ዝኾነ ሓይሊ መቐልጠፊ ወይ መደንጐዪ ጠጠው ኢሉ ዝጽበ ኣይኮነን። ውጽኢቱ ንረብሓ መን ከም ዝኸውን ከኣ፡ ብሓፈሻ ናይቲ ዘምጸኦ ኣካል ኩለ-መዳያዊ ልዕልና ዝዕቅብ ካብ ምዃን ከምዘይሓልፍ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ስለዚ እዩ ከኣ፡ ንጽባሕ እንታይ ከም እትጽበ ሎሚ ብእትወስዶ ምርጫ ዝውሰን። ንሕና ኤርትራውያን ብገዛእ ጉዳይና ሎሚ ተዓዘብቲ እንተኮይና ወይ ንህግደፍ ገዲፍናሉ እንተ ኣራጢጥና፡ ጽባሕ “ኣብ ማእከል ጐልጐል ዝወገሖ” ከይንኸውን ውሕስነት የብልናን።
ኣብዚ መመሊሱ እሞ ድማ ቀልጢፉ ዝተሓላለኽ ዘሎ ኤርትራዊ ኮነ ዞባዊ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ “ንሕናኸ ከም ሓደ ካብ ተዋሳእቲ እንታይ ንገብር ኣለና?”፡ ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህርያዊ እዩ። እዚ ሕቶዚ ንኤርትራውያን ብብቕዓት ክንምልሶ ሰለ ዘይበቕዕና ክድገመልና እንተዘይኮይኑ፡ ከም ሓድሽ ዝቐርበና ዘሎ ሕቶ ኣይኮነን። ነዚ ሕቶዚ ኣብ ምምላስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዝሓልፎ ዘሎ ጸበባ ርኡይ’ኳ እንተኾነ፡ በታ ዝረኽባ ጸባብ ዕድል ዘስመዖ ሓድነታዊ ድምጺ መተካእታ የብሉን። እቲ ዘስመዖ ድምጺ፡ ናይ ኩሉ’ቲ ጸገማቱ ቀንዲ ጠንቂ፡ እቲ ምስኡ ዘሎ ቁርዲድ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ፡ ካብ ውግእ ተረባሒ ከምዘይኮነ፡ ልኡላውነቱ ናይ ህልውናኡ ቀይሕ መስመር ምዃኑን ምስ ጐረባብቲ ህዝብታት ጽልኢ ከም ዘየብሉን ዘንጸባርቕ ክኸውን ይግበኦ።
ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ዝምድናዊ ናጽነት ኣብ ዘለወን ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ኩሎም ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ድማ ብፍላይ፡ ብዝተፈላለዩ መልክዓት ዝተወደቡ ወገናት ዝያዳ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣብዚ ወሳኒ እዋን ዳግማይ ከስተውዕልሉን ሓላፍነት ክወስድሉን ናይ ግድን እዩ። ባህግን ድሌትን ናይዞም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ ናይቲ ኣብ ሃገሩ ዝያዳ ዝጭነቕን ዝሳቐን ዘሎ ወገኖም ዝተፈልየ ከምዘይከውን ከኣ ርዱእዩ። ብኽንድኡ ደረጃ ክተኣሳሰሩን ክናበቡን ከኣ ካልእ መተካእታ ዘይብሉ ናይ ዓወቶም ረቛሒ እዩ።
ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ኣብ ቅድሚኦም ብዙሕ ዕማም ከም ዝጽበዮም ዘይሰሓት ኮይኑ፡ ከምቲ “እንተ ክንቡርኩት ዘይክብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝበሃል፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘየዕወትዎ ምፍጣር ሓቢርካ መቃለሲ መድረኽ ቀዳምነት ሂቦም ከረጋግጽዎ ተገቲሩ ዝጽበዮም ዘሎ ግዜ ዘይህብ ዕማም’ዩ። እዚ ሰጊርካዮ ዘይትሓልፍ ወሳኒ ዓቕምኻ ናይ ምውህሃድ ናይ ሓባር ኣጀንዳ እዩ። ዝተባህለ እንተተባህለ ነዚ ዘይተሰግረ ዘሎ ብደሆ ጓሲኻ፡ ካልእ መዕወቲ ሸቶኻ ኣቋራጭ መተካእታ መንገዲ ከምዘየለ፡ ናይ ክሳብ ሎሚ ተመኩሮና መወከሲና’ዩ።
ናብዚ ብሓባር ኣሰሊፉን ዓቕምኻ ኣወሃሂዱን ዘዕውት መድረኽ ንምብጻሕ፡ ክኽፈል ዝግበኦ ዋጋ ክኸፍል ቅሩብ ዘይኮነ ወገን፡ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝገብሮ ቃልሲ ኣብ ውጽኢት ክበጽሕ ከምዘይክእል ክርዳእ ወሳኒ እዩ። እቲ “ናይ ግድን ክምስረት ኣለዎ” እንብሎ ዘለና ናይ ሓባር መድረኽ፡ ምእንቲ ምዕቃብ ልኡውላውነት ሃገርን ምውጋድ ህግደፍን ናይ እንገብሮ ቃልሲ መሳርሒ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ መጻኢት ሕግመንግስታዊትን ዲሞክራሲያዊትን ኤርትራ ባይታ ዘጣጥሕ እውን እዩ።
እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን በይናዊ ኣካይዳ ውሕስነት ከምዘየብሉ ዝተገንዘቡ ሓይልታትን መንግስታትን መኻይዲ ንክረኽቡ ክሳብ ርሑቕ ከይዶም ዝጸዋውዕሉ ዘለዉ እዩ። ክሳብ ክንድዚ ንናይ ሓባር ረብሓ መኻይዲ ንምርካብ ወሳኒ ኣብ ዝኾነሉ፡ እቶም ካብ ዝፈላልየና ዘሰማምዓና ዝበዝሕ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ብህጹጽ ዘይምጽውዋዕና ድኽመትና ዘመልክት ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ምእንቲ እዚ እዩ ከኣ፡ እቲ ኣብ ጸቢብ ተሓጺርና ከይንተርፍ፡ ብዛዕባ ኣህጉራውን ዞባውን ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ምክትታልና ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ከም ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ዝያዳ ውሽጥና ምድህሳስ ንክንክእል፡ “እስከ ብዛዕባናኸ ንዘራረብ” ምባል እዋናዊ መጸዋዕታ ዝኸውን።