ሕብረት ኤውሮጳ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣይክዕዘብን’ዩ: ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ግና ክዕዘቡ እዮም

2026-05-30 21:14:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 44 times

ጉጅለ ተዓዘብቲ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ  ናጻ ምጥቃም ዘመናዊ መራኸብታትን ተልእኮ ምዕዛብ ብናጻ ምፍጻምን ዝምልከቱ ምስ  መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሰማማዕ ሰለ ዘይከኣለ፡ 7ይ ዙርያ ምርጫ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ከምዘይዕዘብ ኣፍሊጡ።

ዝያዳ ዝርዝር ናይቶም ዘየሰማምዑ ነጥብታት፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዘይ ገደብ ምንቅስቓስ፡ ምስ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ወሃብቲ ድምጺ ዜጋትን ብቐጥታ ምርኻብን ሓበሬታታት ብዘይገደብ ምዝርጋሕን ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ኣብዞም ዝተጠቕሱ ዛዕባታት ምስ ሕብረት ኤውሮጳ መረዳድኢ ሰነድ ክኽትሙ ፈቓደኛታት ኣይኮኑን።

እቲ ሕብረት ነቲ ምርጫ ንዝዕዘቡ ሲቪካዊ ማሕበራት  ንሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያን ሓገዝ ክገብር ከም ዝጸንሐ ግና  ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ባሕቲ ሰነ 2026 ዝካየድ 7ይ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብናይ ቀደም ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታ ዝምራሕ፡ ካብ ኣባላቱ 61%  ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና 73 ኣባላት ዘለዉዎ ተዓዛቢ ጉጅለ ብምምዳብ ክዕዘብ ተዳልዩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ሕብረት ነዚ ጉጅለ ዝመደበ፡ ብፈደራላዊ ሪፐብሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ብዝቐረበሉ ወግዓዊ ዕድመ  ምዃኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። ናይቲ ተዓዛቢ ጉጅለ ኣባላት፡ ነባራት ኣንበሳድራት፡ ኣብቲ ሕብረት መስርሕ ምርጫ ዝምልከቶም ክኢላታትን ኣባላት ሲቪካዊ ማሕበራትን ከም ዝርከብዎም እውን እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ።

ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ተዋፊሮም፡ መስርሕ ኣጀማምራ ምርጫ፡ ኣደማምጻ፡ ኣተዓጻጽዋን ምቑጻር ድምጽን ብቐጻሊ ክዕዘቡ እዮም። እቲ ምዕዛብ ብመንጽር ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ ቀጥዕታትን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኽተሎ መትከላት ምርጫን ከም ዝካየድ ድማ ተፈሊጡ። እዚ ጉጅለ ተዓዘብቲ 3 ሰነ 2026 ኣፈናዊ ውጽኢት ትዕዝብቱ ዝምልከት መገልጺ ከውጽእ ትጽቢት ይግበረሉ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኢጋድ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ንምዕዛብ ምድላዉ ወዲኡ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ሓቢሩ። ካብ ጅቡቲ፡ ሶማሊያ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሰዳንን ኡጋንዳን ዝተዋጽኡ ክኢላታት ኣብዚ ዞባዊ ተዓዛቢ ጉጅለ ከም ዝሳተፉ ከኣ ኣፍሊጡ። ናይቲ ተዓዛቢ ጉጅለ ተልእኮ ናይ ኢትዮጵያ ምርጫ ብመንጽር ግሉጽነት፡ ተኣማንነትን ርትዓውነትን ደረጃኡ ዝሓለወ ምዃኑን ዘይምዃኑ ምርግጋጽ ከም ዝኸውን ኢጋድ ኣፍሊጡ።

ሻውዓይ ዙር ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ መልከዓት ዘለዎ ቅልውላዋት ይዓር ኣብ ዝሃለወሉ ኩነታት እዩ ዝካየድ ዘሎ። በዚ መሰረት ኣብ ክልል ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ኣይካየድን እዩ። ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ድማ ብሰንኪ ቀጻሊ ውግኣት ኣብ ዝተወሰኑ ወረዳታት ምርጫ ኣይካየድን እዩ። ኣብተን ዝተረፋ ክልላት እውን ስግኣታት ኣሎ። ዝተፈላለያ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜናን ፖለቲከኛታትን እውን ነቲ መስርሕ ምርጫ  ብትሪ ይነቕፍዎ’ለዉ።

Last modified on Saturday, 30 May 2026 23:22