ኣስተምህሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ ንኣባላት ፖሓኤ

2026-06-06 21:22:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 86 times

ብጸይቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ኣባል ምምሕዳር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ፖሓኤን፡ ብ6 ሰነ 2026 ንኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣስተምህሮ ኣቕሪባ። እቲ ኣስተምሕሮ “ ሕቶ መሰልን ውደባን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ዝተዋህበ፡ ጥምረት ኣብያተ-ጽሕፈት መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮን ውደባን ፖሓኤ  ዝሰርዖ፥  ብቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ፖሓኤ ኣብ ዝተኣልየ መድረኽ እዩ ቀሪቡ።

ኣስገደት እቲ መድረኽ ንዘዳለዉ ኣካላት ኣመስጊና፡ መሰረታዊ ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ ንማዕርነት ኣብ ኩሉ መዳያት ኮይኑ፡ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝዕመም ዘይኮነ፡ ናይ ኩሎም ፍትሓውያን ተሳትፎ ዘድልዮ እዩ ኢላ። ከምቲ ዘይተወደበ ህዝቢ ዘይዕወት፡ ደቂ ኣንስትዮ ንክዕወታ እውን ክውደባ መሰረታዊ ኣድላይነት ዘለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ይጽነሓለይ ዘይበሃል ምዃኑ፡ ኣብ መብርሂኣ ኣስሚራትሉ። ኣብ ዓለምና ሓንቲ ካብ 3 ደቂ ኣንስትዮ ዓመጽ ከም ዘጋጥማ ጠቒሳ ከኣ፡ እቲ ጥሕሰትን ወጽዓን ኣብተን ዝደኸያን ዘይተማህራን ሃገራት ከም ዝገድድ ብኣብነት ኣሰንያ ኣቕሪባ።

ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ከኣ፡ ኣብተን ብሰንኪቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይቅሱን ፖለቲካዊ ኩነታት ብሓደ ኣብ ዘይነብራ ስድራቤታት እቲ ተጽዕኖን ጭንቅን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኸብድ፡ ከምኡ ከኣ ኣብ ስደት እቲ ተጽዕኖ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምህላዉ ምሳለታት ብምስናይ ኣገንዚባ። ኣተሓሒዛ ከኣ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ መግለጺ ወጽዓ ሕብረተሰብ እምበር፡ ኣብኣተን ጥራይ ዝድረት ከምዘይኮነ ኣረዲኣ።

ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖሓኤ ኣብዚ ደረጃዚ ንምብጻሕ ዝተገበረ ቃልሲ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ 3ቲኡ ኣባል ውድባት ፖሓኤ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር ክቃለሳ ስለ ዝበቐዓ፡ ዓቕሚ ከም ዘጥረያ ኣብሪሃ። ከም ኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ተመሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ኣብ ምሕጋዝ ዘለወን ግደን ኣብ ዓለም ለኻዊ ትካል ምሕዝነት ገስገስቲ ሓይልታት ብጉዳይ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘቃነዖ ኮንፈረንስ ተሳቲፈን ብሓፈሻ ቃልስን ወጽዓን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ከኣ ፖሓኤ ንምፍላጥ ዝገበረኦ ኣበርክቶ ከም ኣብነት ዘርዚራ።

ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኣተሓሳስባ ኣብ ምቕያር ዘተኩር ዘይጐነጻዊ ኣገባብ’ዩ ድሕሪ ምባል ደማ፡ ብደረጃ ዓለም ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝተገብረ ቃልሲ ብዙሕ ዓወታት ከም ዘመዝገበ ጢቒሳ፡ እንተኾነ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ  ንክብጻሕ እቲ ቃልሲ ቀጻሊ ምህላዉ ብምብራህ፡ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ተገዲሱ ዘይቃለስ ኣካል ፍትሓዊ ክኸውን ከምዘይክእል ኣስፊሓ ገሊጻ። ኣብ መወዳእታ ድማ ምስ ዝተፈላለያ ኤርትራውያን ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ዝምድናታት ምግባር ከምዘድሊ ብምጥቃስ፡ ምውዳብ ደቂ ኣንስትዮ  ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ከይዝንጋዕ ኣገንዚባ።

ድሕሪቲ ብኣስገደት ዝቐረበ መገለጺ፡ ተሳተፍቲ ከካብ ዘለዎም ተመኩሮታት እናተበገሱ ነቲ ዛዕባ  ኣገዳሲ መህብተሚ ሰፊሕ ርኢቶታት ኣቕሪቦም። ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ፖሓኤ ከኣ ኣብ መወዳእታ መጠቓለሊ ቃል ኣስሚዑ።

Last modified on Saturday, 06 June 2026 23:32